ኣብ ዩናይትድ ኪንግዶም ንዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ንኣገልግሎት ጥዕና ዝምልከት ዝተዳለወ መረዳእታ

ኣብ ታሕቲ ንNHS (ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና) ዝእምቱ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ብቋንቋ ትግርኛ ትረኽቡ፡ ብኸመይ ኣብ GP (ክሊኒክ) ምምዝጋብ ከም እትኽእሉ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ብዝምልከት ዘለኩም መሰል፡ ምስ ሓካይም ብኸመይ ምርድዳእ ከም ከምእትኽእሉን ጥዕናኹም ብምሕላው ካብ ሕማም ነጻ ዝኾነ  ህይወት ብኸመይ ከምእትመርሑ ዝሕብሩ መረዳእታታት ዝሓዙ ጽሑፋት ዝሓዘ እዩ። ብተወሰኺ ንመስርሕ ሕርሲ ጥዕና ቆልዑት ፍቓድ ኣብ እዋን ሕርሲን ኣተዓባብያ ቆልዑን ብዝምልከት ኣገደስቲ ሓበሬታ የጠቓልል።

እትደልይዎ ሓበሬታ ኣብ`ዚ ምስዘይትረኽቡ ንኣሳይለም ዌልካም Asylum Welcome ተወከሱ::

እዚ ዝስዕብ ትርጉም ትግርኛ ዝሓዘ ቪዲዮ ንኣሰራርሓ (ኤንኤችኤስ) ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ዩናይትድ ኪንግዶም ዝገልጽ`ዩ።

ንእትደልይዎ ዓይነት ሕክምና ዝምልከት መምርሒ

ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብኸመይ ኤንኤችኤስ ክጥቀሙ ይኽእሉ?

ብትግርኛ ትርጉም ዘለዎ ቪድዮ ንምርካብ ኣብ`ቲ settings – subtitles ዝብል ብምጥዋቕ እትደልይዎ ቋንቋ Tigrinya ምረጹ።

እዚ ትግርኛ ዝርከቦም ብሓሙሽተ ቋንቋታት ዝተዳለወ ሓጺር ጽሑፍ ንኣጠቓቕማ (NHS) ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕናን ካልኦት ኣገደስቲ ትካላትን ዝሕብር እዩ።

ሓበሬታ ኣጥቓቕማ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ጥዕና ን ሓደስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ዩናይትድ ኪንግዶም።

እዞም ዝስዕቡ 2 ገጻት ዝሓዙ ወረቓቕቲ ንኣሰራርሓ NHSን ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እትርኽቡሎም ማዕኸናት ይሕብሩ።

ኣሰራርሓ (NHS) ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕናን መሰል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ጥዕና ስደተኛታትን ኣብ ዩናይትድ ኪንግዶም

እዚ ዝሰዕብ ጽሑፍ ኣብ ዩናይትድ ኪንግዶም ንዝርከቡ ስደተኛታት ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾኑ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝረኽቦሎም ትካላት የብርህ:

መሰል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ስደትኛታት ኣብ ዩናይትድ ኪንግዶም

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ዶክተር ጂፒ (GP) ተመዝጊቡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይረክብ። ንምምዝጋብ ይኹን ንምሕካም መርጋገጺ መንበሪ ኣድራሻ ይኹን መንነት ወረቐት ኣየድልን።

ናብ ዶክተር ንምምዝጋብ ዝኾነ ጸገም እንተኣጋጢሙኩም ካብ እዞም እትርእይዎም ዘለኹም ወረቓቕቲ ሓደ ኣሕቲምኩም ብምውሳድ ክትምዝገቡ ትኽእሉ:

ናይ ጥዕና ካርዲ ብኸመይ ትረኽቡ

ኤለክትሮኒካዊ  ናይ ሕክምና ካርዲ ብኸመይ ትረኸቡ

ንዘለኩም ናይ ጥዕና ጸግማት ንሰብ ሞያ ሕክምና ንምግላጽ ክሕግዘኩም ነዚ ብቋንቋታት እንግሊዝን ፋርሲን ዝተጻሐፈ ናይ ዝርርብ ካርድ ብምውራድ ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ።

ናይ ትግርኛ መራኸቢ ካርድ

ጥዕናኹም እተምሓይሹሎም ሽዱሽተ መንገድታት ብቋንቋ ትግርኛ:

ጥዕናኹም እተመሓይሹሉ መንገዲ

ብኸመይ ስምዒታዊ ጥዕናኹም ትከናኸኑ ዝሕብር 4 ገጻት ዘሓዘ ጽሑፍ እንሆ:

ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ድቃስን

እዚ ሓባራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ንኦክስፎርድን ከባቢኣን ዝብል መርበብ ሓበሬታ ዝተፈላለዩ ን ኣብ እዋን ንእስነት ንዝርኣዩ ሕማማትን ን ሕሙማት ቆልዑ ክግበሩ ብዛዕባ ዝግብኦም ክንክናት ዝብሉ ኣገደስቲ ሓበሬታት ዝሓቖፈ`ዩ።

ነዚ ብዝምልከት ብትግርኛ ዝትጻሕፈ ሓበሬታ ምስ እትደልዩ ንዚ ኣብ መወዳእታ ናይ`ዚ ገጽ ዝርከብ (language Google Translate) ቋንቋ መተርጎሚ ጉግል ዝብል ጠውቑ።

ኣብ ዩናይትድ ኪንግዶም ክንክን ሕርሲ ብመሕረስቲ ክኢላታት(ሚድዋይፍ) እዩ ዝካየድ። ነፍሲ ወከፍ ጥንስቲ ከኣ ሓንቲ ፍልይቲ መሕረሲት ትምደበላ። ንሳ ካብ ፈለማ እዋን ጥንሲ ኣትሒዛ ክሳዕ ምውላድ ቆልዓ ዘሎ ክንክን ጥዕና ኣደን ጥንስን ትከታተል። እታ መሕረሲት (ሚድዋይፍ) እምብኣር ዝኾነ ይኹን ጸገማት እናተኸታተለት መፍትሒ ተናድን ከከም ኣድላይነቱ ከኣ ነታ ኣደ ምስ ዝምልከቶም ሰብ ሞያ ክኢላታ ማለት ከኣ ምስ ዶክተር ወይ ሶሻል ዎርከር ተራኽብ።

ምኽርን ሓበሬታን ብዛዕባ ንጥንሲ ምድላው:

ንጥንሲ ምድላው ብቀሊል ቋንቋ እንግሊዝ ዝተዳለወ ሓበሬታ

ውሕስነቱ ዝሓለወ ጥንሲ ብኸመይ ይረጋገጽ

ገለ ሓገዝቲ ምንጭታት ብዛዕባ ፈውሲ ቃንዛ ኣብ እዋን ሕርሲ ብመጥባሕቲ ምሕራስን ከምኡ እውን ኣብ እዋን ሕርሲ ምስ ሰብ ሞያ ጥዕና ዝህልወኩም ዝርርብ ብዝምልከት:

ሓበሬታ ብዛዕባ ፈውሲ ቃንዛ ኣብ ግዜ ሕርስን ብመጥባሕቲ ምውላድን

ኣብ እዋን ጥንሲ ንኽትረዳድኡ ዝሕግዙ ረቛሒታት

ዝተመደበትልኩም መሕረሲትን ዶክተርኩምን ብሓባር ኣብ እቲ ዝግበረልኩም ጥዕናዊ ክንክን ድልየታትኩም ንምፍላጥን ይሰርሑ። ድሌታትኩም ንምግላጽን ንምክፋልን ዝሕግዘኩም ውልቃዊ ውጥን ክንክን ጥዕና ምጥቃም እውን ይከኣል እዩ።

ን እዋን ወሊድ ዝሕግዝ ውልቃዊ ውጥን ክንክን ጥዕና ንምድላው ዝሕግዘኩም ቋንቋ እንግሊዝ ዝኽእል መሓዛ ወይ ዘመድ ክትረኽቡ ትኽእሉ`ዶ?

ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተዳለወ ንውልቃዊ ውጥን ክንክን ጥዕና ዝምልከት ሓበሬታ

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝነበርኩሙሉ ቦታ ወይ ከተማ ዩናይትድ ኪንግዶም እንተድኣ ግዒዝኩም እዚ ካርድ`ዚ ብምጥቃም ኣብ`ቲ ሓድሽ ዝተመዝገብኩሙሉ ናይ ሕክምና ቦታ ብቐሊሉ ናይ ጥዕናኹም ሓበሬታ ንምርካብ ትኽእሉ:

ናይ ጥንሲ ካርድ ምትሕልላፍ ተኽእሎ

ወላዲ ምዃን እንታይ ፍሉይነት ኣለዎ?

ምኽርን ሓበሬታ ንሓደስቲ ወለዲ